Filmen under finnes med språkstøtte i flere versjoner:
Filmen Helsefagarbeider med språkstøtte på somali
Filmen Helsefagarbeider med språkstøtte på arabisk
Filmen Helsefagarbeider med språkstøtte på norsk
Sammendrag av filmen på tigrinja
Helsefagarbeider (tigrinja) Text version Text version ኣብዛ ፊልም እዚኣ ተሓጋጋዚት ነርስ ንዝኾነት ሃዲ ቻም ንረክብ።
ከም ተሓጋጋዚ ነርስ ኮይንካ ንምስራሕ፥ መጀመርያ ናይ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርት vg1 ብዓውዲ ጥዕናን ኣተዓባብያን ፣ ከምኡውን vg2 ዓውዲ ተሓጋጋዚ ነርስ፡ ክትወስድ ኣሎካ፡ ብተወሳኺ ከም ሰልጣናይ ኣብ ሓደ ትካል ንኽልተ ዓመት ክትሰርሕ ኣሎካ። ሃዲ ዓበይቲን ንኣሽቱን ምሕጋዝ ስለትፈቱ ተሓጋጋዚት ነርስ ናይ ምዃን ድሌት ኔርዋ: ብተወሳኺ ኣብዚ ስራሕ ምስ ካልኦት ሰብ ሞያ ብምትሕብባር ትሰርሕ።
ሃዲ ምስ ሓደ ተቐማጣይ ከላ ተራኺብና፡ ነቲ ክፍሊ መድሃኒት ከኣ ኣሪኣትና። መድሃኒታት ብዓቐን ኣብ መትሓዚ መድሃኒት ይቕመጡ፡ ተሓጋጋዚ ነርስ ቅድሚ ንተቐመጥቲ ምዕዳሉ እቲ ፈውሲ ብነርስታት ትኽክል ምህላዉ ይራጋገጽ ።ብተወሳኺውን ተሓጋጋዚ ነርስ ካብ ፋርማሲታት ንዝመጽእ ብዙሕ መጠን መድሃኒት ክዕድል ይኽእል እዩ።
ሃዲ ናይ ተቐማጦ ትርግታ ልብን፣ ጸቕጢ ደምን ትዕቅን። ምስቶም ተገልገልትንን፣ ናይ ቀረባ ሰቦምን፣ ሰራሕተኛታትን ክትዘራረብ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ ሕማም ከይተማሃላልፍ መብዛሕትኡ ግዜ ኣእዳዋ ተጽሪ እያ ።ተሓጋገዝቲ ነርስ ብዙሕ ብእግሮም ስለዝንቃሳቐሱ፣ ምቹእ ዝኾነ ጫማ ክገብሩ ኣለዎም ። ሓደ ተሓጋጋዚ ነርስ ብዛዕባ አርጎኖሚካ ይሓስብ እዩ: ኣብ ኣካላቱ ዘይተደልየ ሳዕቤን ምእንቲ ከይፈጥረሉ ድማ ተክኒካዊ መሳለጥያታት ይጥቀም ። ኣብ ዓራት ንዝተደነሱ ተቐመጥቲ ኣብ ዝኣልዮሉ እዋን ክልተ ሰራሕተኛታት ክኾኑ ይግባእ።
ከም ተሓጋጋዚ ነርስ ምዃን ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣለዎ። ኣብ ሆስፒታላት፣ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን፣ ዘቤታዊ ኣገልግሎት ወሃብቲ፣ ምክንኻን ወልፈኛታትን፣ ኣብ መዕቆቢ ስንኩላን ናይ ምስራሕ ተኽእሎ ኣሎ። ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ መሰረታዊ ብቕዓት (ጀነራል ስቱዲየ ኮምፐታንሰ) ንምርካብ፥ vg3 ተወሳኺ ፕሮግራም ወሲድካ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮሌጅ ኣቲኻ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትቕጽል ትኽእል ኢኻ።
Forklaringer på tigrinja til begreper fra filmen Begreper fra filmen med forklaringer Begrep
Tale
Forklaring
lærling
ሰልጣናይ: ኣብ ሓደ ትካል ስልጠና ዝወስድ ሰብ ኮይኑ: ነቲ ሞያ ብምዕያይ ዝመሃርን ዝላማመድን
bedrift
ትካል: ናይ ስራሕ ቦታ
yrkesgruppe
ሰብ ሞያ(ሞያውያን): ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት
beboer
ተቐማጣይ(ነባራይ): ሓገዝን ሓልዮትን ኣድልይዎ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያንን ወይ ኣብ ካልኦት ተቕዋማት ዝነብር ሰብ
bruker
ተገልጋላይ (ተጠቓማይ): ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክንን ዝጥቀም። ንኣብነት ብመንገዲ ዘቤታዊ ኣገልግሎት
pasient
ተሓካማይ: ሓደ ዝሓመመ ሰብ ሓገዝ ሕክምና ክረክብ ከሎ። ን ኣብነት ኣብ ሆስፒታል ወይ ካብ ሓኪም ትረኽቦ ሓገዝ
medisin
መድሃኒት(ፈውሲ): ንኣብነት ከኒናታት
medisinrommet
ክፍሊ መድሃኒት: መድሃኒታት ዝኽዘነሉ ክፍሊ
dosere
ዓቐን መድሃኒት: ልክእ ዝኾነ መጠን መድሃኒት ኣብ ሓደ ኩባያ ወይ ኣብ ሓደ መትሓዚ መድሃኒት ምቕማጥ
dosett
መትሓዚ መድሃኒት(መቐመጢ መድሃኒት): ኣብ መዓልትን ግዜን እተኸፋፈለ ንእሽቶ ሳጹን ኮይኑ: መዓስ መድሃኒት ከም እትወስድ ብቐሊሉ ክትዝክር ይገብር።
multidose
ብዙሕ መጠን መድሃኒት: ካብ ፋርማሲ ዝመጸ ንኣሽቱ ኸረጺታት መድሃኒት ዝሓዘ ጥቕልል።
puls
ትርግታ ልቢ: ልቢ ደም ክትጭንጉዕ ከላ ዝስማዓካ ህርመት ልቢ።
blodtrykk
ጸቕጢ ደም: ልቢ ደም ናብ ኣካላት ክትጭንጉዕ ከላ እቲ ዋሕዚ ደም ኣብ ውሽጢ ሰራውር ደም(ኣርተሪ) ዝፍጠሮ ጸቕጢ ወይ ወጥሪ።
pårørende
ኣብ ህጹጽ ግዜ ተጸዋዒ ሰብ(ናይ ቀረባ ሰብ): ንኣብነት ከም ስድራ, ዘመድ, መጉዚት
ansatte
ሰራሕተኛታት: ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ዝሰርሑ ሰባት
desinfisere
ኣጽረየ(ኣምከነ): ሕማም ዘምጽኡ ደቀቕቲ ተህዋስያን ክቐትል ዝኽእል ነገር ምጥቃም፣ ንኣብነት ሳምና፣ መንጽሂ ኬሚካል (ሳኒታይዘር)
smitte
ምልጋብ(ምትሕልላፍ): ባክቴሪያ ወይ ቫይረስ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ክማሃላለፍ ከሎ ።
ergonomi
አርጎኖሚካ: ኣብ ስራሕ ቦታ ክንዓዪ ከሎና ማህሰይቲ ምእንቲ ከየጋጥመና ብኸመይ ምቹእ ዝኾነ ኹነታት ክንፈጥር ከም እንኽእል ዝገልጽ ኣስተምህሮ።
tekniske hjelpemidler
ቴክኒካዊ መሳለጥያታት: ንሰራሕተኛታት ዝተፈላለየ ዕዮ ንኽሰርሑ ዝሕግዞም መሳርሒታት።
sengeliggende
ድኑስ: ብምኽንያት ሕማም ወይ ዓቕሚ ምስኣን ካብ ዓራት ክትስእ ዘይኽእል ተቐማጣይ ወይ ተሓካማይ
hjemmetjeneste
ዘቤታዊ ኣገልግሎት: ንሕሙማንን፣ንኣረጋውያን ኣብ ገዛኦም ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝግበረሎም ሓገዝ
rusomsorg
ክንክን ወልፈኛታት: ወልፊ ኣልኮልን፣ ዕጸ-ፋርስን ንዘለዎም ሰባት ዝግበረሎም ሓገዝ
vg3-påbygging
vg3 ተወሳኺ ፕሮግራም: ናብ ኮሌጅን ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ዝኸውን ሓፈሻዊ ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ንምርኻብ፥ ኣብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፥ድሕሪ vg1ን vg2ን ምውዳዕኻ ንሓደ ዓመት ትማሃሮ ትምህርቲ።
Se også de norske forklaringene på begrepene fra filmen .
Som helsefagarbeider skal du yte profesjonell helsehjelp og ivareta hver enkelt brukers behov for pleie og omsorg. Arbeidsoppgavene er varierte og innebærer kontakt med mennesker i alle aldre med ulik helse og funksjonsevne. Helsefagarbeideren kan jobbe på mange ulike arbeidssteder innen kommunale helse- og oppveksttjenester, sykehus og private omsorgstjenester.
Se filmen og bruk lenkene under til å svare på disse spørsmålene.
Hvordan er det ordinære utdanningsløpet for å bli helsefagarbeider? Hvilke egenskaper er nødvendige i dette yrket? Hva er vanlige arbeidsoppgaver for en helsefagarbeider? Hvilke mulige arbeidssteder kan du finne for en helsefagarbeider? Hvorfor er det viktig å tenke på ergonomi i jobben som helsefagarbeider?