Helsefagarbeideren samarbeider med andre yrkesgrupper om pleie, omsorg og miljøarbeid for brukere av helse- og oppveksttjenester. I denne filmen møter du en helsefagarbeider som forteller om utdanning, egenskaper og vanlige arbeidsoppgaver.
Du kan også se denne videoen med egen språkstøtte på somali, arabisk eller norsk.
Lytt og les sammendrag av filmen på tigrinja
Helsefagarbeider (tigrinja)
Tekstversjon
ኣብዛ ፊልም እዚኣ ተሓጋጋዚት ነርስ ንዝኾነት ሃዲ ቻም ንረክብ።
ከም ተሓጋጋዚ ነርስ ኮይንካ ንምስራሕ፥ መጀመርያ ናይ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርት vg1 ብዓውዲ ጥዕናን ኣተዓባብያን ፣ ከምኡውን vg2 ዓውዲ ተሓጋጋዚ ነርስ፡ ክትወስድ ኣሎካ፡ ብተወሳኺ ከም ሰልጣናይ ኣብ ሓደ ትካል ንኽልተ ዓመት ክትሰርሕ ኣሎካ። ሃዲ ዓበይቲን ንኣሽቱን ምሕጋዝ ስለትፈቱ ተሓጋጋዚት ነርስ ናይ ምዃን ድሌት ኔርዋ: ብተወሳኺ ኣብዚ ስራሕ ምስ ካልኦት ሰብ ሞያ ብምትሕብባር ትሰርሕ።
ሃዲ ምስ ሓደ ተቐማጣይ ከላ ተራኺብና፡ ነቲ ክፍሊ መድሃኒት ከኣ ኣሪኣትና። መድሃኒታት ብዓቐን ኣብ መትሓዚ መድሃኒት ይቕመጡ፡ ተሓጋጋዚ ነርስ ቅድሚ ንተቐመጥቲ ምዕዳሉ እቲ ፈውሲ ብነርስታት ትኽክል ምህላዉ ይራጋገጽ ። ብተወሳኺውን ተሓጋጋዚ ነርስ ካብ ፋርማሲታት ንዝመጽእ ብዙሕ መጠን መድሃኒት ክዕድል ይኽእል እዩ።
ሃዲ ናይ ተቐማጦ ትርግታ ልብን፣ ጸቕጢ ደምን ትዕቅን። ምስቶም ተገልገልትንን፣ ናይ ቀረባ ሰቦምን፣ ሰራሕተኛታትን ክትዘራረብ ምኽኣል ኣገዳሲ እዩ። ምእንቲ ሕማም ከይተማሃላልፍ መብዛሕትኡ ግዜ ኣእዳዋ ተጽሪ እያ ። ተሓጋገዝቲ ነርስ ብዙሕ ብእግሮም ስለዝንቃሳቐሱ፣ ምቹእ ዝኾነ ጫማ ክገብሩ ኣለዎም ። ሓደ ተሓጋጋዚ ነርስ ብዛዕባ አርጎኖሚካ ይሓስብ እዩ: ኣብ ኣካላቱ ዘይተደልየ ሳዕቤን ምእንቲ ከይፈጥረሉ ድማ ተክኒካዊ መሳለጥያታት ይጥቀም ። ኣብ ዓራት ንዝተደነሱ ተቐመጥቲ ኣብ ዝኣልዮሉ እዋን ክልተ ሰራሕተኛታት ክኾኑ ይግባእ።
ከም ተሓጋጋዚ ነርስ ምዃን ብዙሕ ናይ ስራሕ ዕድላት ኣለዎ። ኣብ ሆስፒታላት፣ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያን፣ ዘቤታዊ ኣገልግሎት ወሃብቲ፣ ምክንኻን ወልፈኛታትን፣ ኣብ መዕቆቢ ስንኩላን ናይ ምስራሕ ተኽእሎ ኣሎ። ናብ ዩኒቨርሲቲ መእተዊ መሰረታዊ ብቕዓት (ጀነራል ስቱዲየ ኮምፐታንሰ) ንምርካብ፥ vg3 ተወሳኺ ፕሮግራም ወሲድካ፥ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወይ ኮሌጅ ኣቲኻ ላዕለዋይ ትምህርቲ ክትቕጽል ትኽእል ኢኻ።
Forklaringer på tigrinja til begreper fra videoen
Begrep | Tale | Forklaring |
---|---|---|
lærling | ሰልጣናይ: ኣብ ሓደ ትካል ስልጠና ዝወስድ ሰብ ኮይኑ: ነቲ ሞያ ብምዕያይ ዝመሃርን ዝላማመድን | |
bedrift | ትካል: ናይ ስራሕ ቦታ | |
yrkesgruppe | ሰብ ሞያ(ሞያውያን): ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ዘለዎም ሰባት | |
beboer | ተቐማጣይ(ነባራይ): ሓገዝን ሓልዮትን ኣድልይዎ ኣብ መናበዪ ኣረጋውያንን ወይ ኣብ ካልኦት ተቕዋማት ዝነብር ሰብ | |
bruker | ተገልጋላይ (ተጠቓማይ): ኣገልግሎት ጥዕናን ክንክንን ዝጥቀም። | |
pasient | ተሓካማይ: ሓደ ዝሓመመ ሰብ ሓገዝ ሕክምና ክረክብ ከሎ። | |
medisin | መድሃኒት(ፈውሲ): ንኣብነት ከኒናታት | |
medisinrommet | ክፍሊ መድሃኒት: መድሃኒታት ዝኽዘነሉ ክፍሊ | |
dosere | ዓቐን መድሃኒት: ልክእ ዝኾነ መጠን መድሃኒት ኣብ ሓደ ኩባያ ወይ ኣብ ሓደ መትሓዚ መድሃኒት ምቕማጥ | |
dosett | መትሓዚ መድሃኒት(መቐመጢ መድሃኒት): ኣብ መዓልትን ግዜን እተኸፋፈለ ንእሽቶ ሳጹን ኮይኑ: መዓስ መድሃኒት ከም እትወስድ ብቐሊሉ ክትዝክር ይገብር። | |
multidose | ብዙሕ መጠን መድሃኒት: ካብ ፋርማሲ ዝመጸ ንኣሽቱ ኸረጺታት መድሃኒት ዝሓዘ ጥቕልል። | |
puls | ትርግታ ልቢ: ልቢ ደም ክትጭንጉዕ ከላ ዝስማዓካ ህርመት ልቢ። | |
blodtrykk | ጸቕጢ ደም: ልቢ ደም ናብ ኣካላት ክትጭንጉዕ ከላ እቲ ዋሕዚ ደም ኣብ ውሽጢ ሰራውር ደም(ኣርተሪ) ዝፍጠሮ ጸቕጢ ወይ ወጥሪ። | |
pårørende | ኣብ ህጹጽ ግዜ ተጸዋዒ ሰብ(ናይ ቀረባ ሰብ): ንኣብነት ከም ስድራ, ዘመድ, መጉዚት | |
ansatte | ሰራሕተኛታት: ኣብ ሓደ ናይ ስራሕ ቦታ ዝሰርሑ ሰባት | |
desinfisere | ኣጽረየ(ኣምከነ): ሕማም ዘምጽኡ ደቀቕቲ ተህዋስያን ክቐትል ዝኽእል ነገር ምጥቃም፣ | |
smitte | ምልጋብ(ምትሕልላፍ): ባክቴሪያ ወይ ቫይረስ ካብ ሓደ ሰብ ናብ ካልእ ሰብ ክማሃላለፍ ከሎ ። | |
ergonomi | አርጎኖሚካ: ኣብ ስራሕ ቦታ ክንዓዪ ከሎና ማህሰይቲ ምእንቲ ከየጋጥመና ብኸመይ ምቹእ ዝኾነ ኹነታት ክንፈጥር ከም እንኽእል ዝገልጽ ኣስተምህሮ። | |
tekniske hjelpemidler | ቴክኒካዊ መሳለጥያታት: ንሰራሕተኛታት ዝተፈላለየ ዕዮ ንኽሰርሑ ዝሕግዞም መሳርሒታት። | |
sengeliggende | ድኑስ: ብምኽንያት ሕማም ወይ ዓቕሚ ምስኣን ካብ ዓራት ክትስእ ዘይኽእል ተቐማጣይ ወይ ተሓካማይ | |
hjemmetjeneste | ዘቤታዊ ኣገልግሎት: ንሕሙማንን፣ንኣረጋውያን ኣብ ገዛኦም ካብ ምምሕዳር ከተማ ዝግበረሎም ሓገዝ | |
rusomsorg | ክንክን ወልፈኛታት: ወልፊ ኣልኮልን፣ ዕጸ-ፋርስን ንዘለዎም ሰባት ዝግበረሎም ሓገዝ | |
vg3-påbygging | vg3 ተወሳኺ ፕሮግራም: ናብ ኮሌጅን ዩኒቨርሲቲ መእተዊ ዝኸውን ሓፈሻዊ ናይ ብቕዓት ምስክር ወረቐት ንምርኻብ፥ ኣብ ላዕለዋይ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ፥ድሕሪ vg1ን vg2ን ምውዳዕኻ ንሓደ ዓመት ትማሃሮ ትምህርቲ። |
Se også de norske forklaringene.
Som helsefagarbeider skal du yte profesjonell helsehjelp og ivareta hver enkelt brukers behov for pleie og omsorg. Arbeidsoppgavene er varierte og innebærer kontakt med mennesker i alle aldre med ulik helse og funksjonsevne. Helsefagarbeideren kan jobbe på mange ulike arbeidssteder innen kommunale helse- og oppveksttjenester, sykehus og private omsorgstjenester.
Utfordringer til deg
Se filmen og bruk lenkene under til å svare på disse spørsmålene.
- Hvordan er det ordinære utdanningsløpet for å bli helsefagarbeider?
- Hvilke egenskaper er nødvendige i dette yrket?
- Hva er vanlige arbeidsoppgaver for en helsefagarbeider?
- Hvilke mulige arbeidssteder kan du finne for en helsefagarbeider?
- Hvorfor er det viktig å tenke på ergonomi i jobben som helsefagarbeider?